የመን፣ ደብዳብ ስዑዲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት የውርድ

የመን፣ ደብዳብ ስዑዲ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት የውርድ

Radio Erena: 19 September 2018

hixanat yemenብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዘካዪዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ብሰንበት 16 መስከረም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ።

ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ባይዳ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣርባዕተ ደቀንስትዮን ክልተ ህጻናትን ከምዝሞቱ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣመልኪቱ።

 

ስሙ ክገልጽ ዘየደለየ በዓል ስልጣን የመን ንኤ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ደብዳብ ዒላምኡ ብምስሓቱ ዝተፈጥረ ጉድለት ምዃኑ ተኣሚኑ። ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ የመን ኣብ ዘካዪዶኦ ዘለዋ ደብዳብ ከባቢ ፍርቂ ናይቲ ብብዝሒ ዝዘንብ ቦምባታት ጌጋ ዒላማ ከምዝሃርም፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እዞም ዝተጎድኡ ስድራቤታት፣ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ እንከለዉ’ዮም ካልእ መጥቃዕቲ ወሪዱዎም።

ኣብ ከባቢ ሖደይዳ ብዝየደ ደብዳብ እውን፣ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ራድዮ ኣልመራዋሕ ተቐቲሎም ኣለዉ። ሰራዊት ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ መደበር ራድዮ ዝነበረሉ ህንጻ ብጌጋ ዝተሃርመ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0