የመን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሸሮኽ ይጥቅዑ

የመን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሸሮኽ ይጥቅዑ

Radio Erena: 30 June 2017

ERi

ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብሕማም ሸሮኽ ይጥቅዑ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ፣ ዱባብን ኾኻን ኣብ ዝተባህላ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናይ መድሃኒትን መሰረታዊ መግብታትን ዋሕዲ ኣጋጢምዎም ስለዝርከብ፣ እቲ ሕማም ከቢድ ሓደጋ ከየውርድ ተሰጊኡ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣብ የመን ተላቢዑ ዝርከብ ሕማም ሸሮሕ ዛጊት 1300 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

 

በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ቁጽሪ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ይመጽእ ምስ ምህላዉ ቁጽሪ ግዳያት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውስኽ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

መንግስቲ የመን፣ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት እታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ፣ ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቱ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘካይድኦ ዘለዋ ጽዑቕ መጥቃዕትታት፣ ከም መድሃኒትን መሰረታውያን መግብታትን ዝኣመሰለ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ንምብጽሑ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ይገልጻ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0