ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዘካየዶ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣካዪዱ

         ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዘካየዶ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹ።
ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ነታጒ ዝጸዓነት መኪና ናብ ቀጽሪ’ቲ መደበር ፖሊስ ጥሒሳ ብምእታዋ ክኸውን እንከሎ፣ ኩሎም እቶም ግዳያት ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ተሓቢሩ። ካልኦት 12 ሰባት’ውን ብከቢድ ቆሲሎም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ።

           ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ድሕሪ ምውሳድ፣ ቁጽሪ ምዉታት ልዕሊ 15 ምዃኑን፣ ሓደ ሚኒስተር ከምዝርከቦምን ገሊጹ። ናይቲ ህይወት 15 ሰባት ዝወሰደ ብሰሉስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ’ውን፣ እቲ ጉጅለ ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።

            ብፍላይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሶማልያ ናይ ነፈርቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ድሕሪ ምጥላቡ፣ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ቃጻን ብነብሰቅትለት ዝተሰነየ መጥቃዕቱን ብዝያዳ ከሐይሎ ምዃኑ ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0