ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብፍቓዶም ክወጹ ዝሃበቶም ናይ ግዜ ዕድል ሎሚ ከብቅዕ’ዩ

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብፍቓዶም ክወጹ ዝሃበቶም ናይ ግዜ ዕድል ሎሚ ከብቅዕ’ዩ

Radio Erena: 30 June 2017

Ethio

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብፍቓዶም ክወጹ ዝሃበቶም ናይ 90 መዓልታት ዕድል ሎሚ ከብቅዕ’ዩ።

እታ ሃገር ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ዘሕለፈቶ ውሳኔ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ እናሰርሑ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት ክጥረዙ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ ቅድሚ እዚ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ንዝምለሱ ግና ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 30 ሰነ ን90 መዓልታት ዝጸንሕ ዕድል’ያ ሂባቶም ጸኒሓ።

ኣብዘን 90 መዓልታት ብወለንትኦም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጹ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ካልእ እዋን ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ዝሓበረት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 1 ሓምለ ንደሓር ዝተሓዙ ግና ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ተወሲድሎም ብሓይሊ ምስ ተሰጉ፣ ብሕጋዊ መንገዲ’ውን ይኹን ናብ ስዑዲ ክምለሱ ከምዘይክእሉ’ ትገልጽ።

 

በዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ስጉምቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ዝርከብዎም ሚልዮናት ወጻእተኛታት ክጽለዉ’ዮም።

እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ውሳኔ ዜጋታት ፓኪስታን፣ ባንግላዲሽን ፊሊፒንስን ምዃኖም ይሕብር።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ሕጋዊ ወረቐት ዘይጸንሖም 10ታት ኤርትራውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ተፋንዮም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ክግለጽ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ከኣ ኣስታት 45 ሽሕ ዜጋታታ ንምውጻእ’ያ ክትጓየ ጸኒሓ።

ይኹን’ምበር እቲ ግዜ እኹል ከምዘይነበረ እትጠቅስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ዜጋታታ ንምውጻእ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተወሳኺ ግዜ ክህባ ትሓትት ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ ኣቐዲማ’ውን፣ ብሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ንዘለዉ ወጻእተኛታት፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ ገንዘብ ክኸፍልሉ ዝብል እማመ ምቕራባ ዝዝከር’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0