‘የመን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ኵናት 11 ሽሕ ቆልዑ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ኮይኖም።’ ሕ/ሃ

Radio Erena: 13 December 2022

ኣብ የመን ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ሑቲን ብዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብውሕዱ 11 ሽሕ ቆልዑ ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ማዕከን ንቆልዑ ሕቡራት ሃገራት- UNICEF ብ12 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብሰንኪ እቲ ግጭትን ሳዕቤናትን ግድያት ናይ ዝኾኑ ብዝሒ ቆልዑ ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ክዛይድ ከምዝኽእል ኣስሚርሉ።

UNICE፣ ካብ 2015 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ባዕሉ ዝመዝገቦ ብዝሒ ቆልዑ 3,774 ምዃኑ ጠቒሱ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ፣ ኤርትራውን ዝተጸንብረቶ ልፍንቲ፣ ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ፣ ካብ 2015 ክሳብ 2020 ዘካየደኦ ናይ ነፈርቲን ሚሳይላትን ጽዑቕ ደብዳብ፣ ቀንዲ ካብቲ ንቖልዑ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ዝገበረ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ግጭት ካብ ቤቶም ዝተመዛበሉ ስድራቤታት፣ ንቆልዑ ንዘይውሕሱ መነባብሮን ሕማማትን ኣቃሊዖዎም ከምዘሎ ዘገንዘበ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ሓደ ካብቲ ኣውራ ሳዕቤታን ድማ ጥሜትን ዓጸቦን ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብ የመን፣ መብዛሕቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ኣስታት 2.2 ሚልዮን ቆልዑ፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ተጠቒዖም ኣለዉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሰኣውን እኹል መድሃኒታት፣ ቆልዑ ብቀሊሉ ክፍወስ ብዝኽእል ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኣብ የመን፣ ናብ ቆልዑ ዘተኮረ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤታት ንምውሓዝ ናይ ኣስታት 484 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድሊ፣ UNICE ተማሕጺኑ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0