ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 1600 ዝተፈላለየ ፍርያት ናብ ቻይና ብዘይቀረጽ ክትልእኽ ተፈቒዱዋ

Radio Erena: 13 December 2022

መንግስቲ ቻይና፣ ካብ 01 ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ 16 ሃገራት ንዝኣቱ ሰድድ፣ ብዜሮ ታሪፍ ክገብሮ ብዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኢትዮጵያ 1664 ፍርያታ ናብታ ሃገር ብዘይቀረጽ ክትልኣኽ ተፈቒዱዋ።

እቲ መንግስቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣቐዲመን ኣብቲ ዝርዝር ዝነበራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ዕድል ከምዝተገለላ’ዩ ኣሚቱ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ናይ ቻይና ናይ ናጻ ቀረጽ ናይ ሰደድ ዕድል ዝተገለለትሉ ምኽንያት፣ ምድንጓያት ሰነድ ምዃኑ ብኣግኡ ኣፍሊጣ ኔራ።

ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር፣ ብሰኑይ 12 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ እቲ ዕድል ከምዝተፈኸፍተላ ብምርግጋጽ፣ ዝተፍላለየ ፍርያት ብዘይቀረጽ ናብ ቻይና ክትልእኽ ምዃና ሓቢሩ።

ቻይና፣ ነዚ ን11 ሃገራት ሂባቶ ዘላ፣ ፍርያተን ብዘይ ቀረጽ ክልእካ ዝፈቅድ ዕድል፣ ከም ግብረ መልሲ ተመሳሳሊ ንግዳዊ ውዕል ክገብራ ከምዘይተገድድ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ 2020፣ ኣስታት 264 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ፣ መብዛሕቱ ከም ዚንጎን ነሓስን ዝኣመሰለ ማዕድናት ናብ ቻይና ከምዝልኣኸት እትግለጽ ኤርትራ፣ ካብቲ ዕድል ዝተኣልየትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0