ኣስመራ፣ ናይ ኢትዮጵያ ባጤራ ብር ሒዞም ዝኣተዉ ገያሾ ተኣሲሮም

Radio Erena: 13 December 2022

ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ ክልተ ኤርትራውያን፣ ኣስታት 10 ሽሕ ብር ሒዝኩም ጸኒሕኩም ብዝብል ተኣሲሮም።

እቶም ኣብ ንግዲ ከምዝነጥፉ ዝተሓበሩ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ኣብ 16 ሕዳር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ከምዘለው መቕርብ ናይ ሓደ ካብኣቶም ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዝቐነዩ ኣዴታት ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተመልስሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣስሮም ከምዝተወስዱ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ፈነወና ምቅልሑ ይዝከር።

እቶም ሽዱሽተ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝተኣሰሩ ክጥቀስ እንከሎ፣ ብ09 ሕዳር ድማ ኣርባዕተ መንእሰያትን ሓንቲ ኣደን ብተመሳሳሊ፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ’ዩ ተመልኪቱ።

ዝተኣስርሉ ምኽንያት ግና ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም፣ ርክባት ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ምዝርጋሕ ካብ ኣስመራ ዝተወስደ ኣሳእል ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ምዝርጋሕ ኣብ ኤርትራ ዝተኸልከለ መዛሙር፡ ደርፍታትን ፊልምን፣ ምውህላል ናይ ወጻኢ ሸርፊን ካልእን የሰላስሉ ኣለዉ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ምክትታል ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0