የመን፣ ነፋሪት ኵናት ሕ/ ኢማራት ዓረብ ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ኣብራሪኣ ሞይቱ

የመን፣ ነፋሪት ኵናት ሕ/ ኢማራት ዓረብ ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ኣብራሪኣ ሞይቱ

Radio Erena: 13 September 2017

UAE Jet fighter crashed

ኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ኣብራሪኣ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ሓንቲ ነፋሪት ኵናት ብሰንኪ ቴክኒካዊ ብልሽት ኣኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝወደቀት ብምጥቃስ፣ ኣብራሪኣ’ውን ከምዝሞተ ተኣሚና ኣላ።

ይኹን’ምበር እታ ነፋሪት ካብ ሓይልታት ሑቲ ብዝተተኮሰላ ጸረ ነፈርቲ ተወቒዓ ክትከውን ከምእትኽእል’ዩ ዝግለጽ።

ኣንጻር ‘ቲ ብስኢዶ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ የመን ኮይኑ ዝምክት ዘሎ ሑቲ፣ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ወደብ ዓሰብ ንዝተበገሰት ወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዘዕነወ ኣይርሳዕን።

ነፈርትን መራኽብን ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዓሰብ እናተበገሳ ኣብ የመን ደብዳብ ከካየዳ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ኣስታት 100 ወትሃደራት ከምዝሞቱዋ’ያ ትጠቕስ።

ብኣንጻሩ፣ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ቀዚፈን ኣለዋ።

==========================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0