ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣንቢሩ

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣንቢሩ

Radio Erena: 13 September 2017

Sauth Sudan Sanction

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እገዳ ከምዘንበረ ተሓቢሩ።

እቶም ጥረ ገንዘብ ይኹን ካልእ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ብኣመሪካ እገዳ ተነቢርሎም ዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ፕረዚደንት ሳል ቫኪር ሚያርዲት’ዮም።

ክፍሊ ግምጃ ቤት ኣመሪካ ብ6 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሃገር ተኸሲቱ ንዘሎ ኩነታት ብምምዝማዝ ኣብ ብልሽውና ዝተዋፈሩ’ዮም ክብሉ’ዩ ጠቒሶም።

እቶም እገዳ ተነቢርሎም ዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ነበር ፖል ማሎንግ ኣዋን፣ ምክትሉ ማለክ ሩበን ሪያክ ረንጉን ሚኒስተር ሚኪኤል ማኩይ ሉትን’ዮም።

ሰብኣዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ፣ እዞም ሰበ ስልጣን ግና ኣብ ብልሽውና ተኣሊኾም ንርግኣትን ጸጥታን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቕዎ ይክእሉ’ዮም ክብል’ዩ ክፍሊ ግምጃ ቤት ኣመሪካ ዝኸሶም።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ደቡብ ሱዳብ ብብልሽውና ዘይተቆማጠዐ በዓል ስልጣን የለን ዝብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር፣ ምምሕዳር ትራም ነዞም ሰለስተ ጥራይ ክንጽሎም ምድላዩ ካልእ ኣጀንዳ ክህልዎ ከምዝኽእል’ዮም ዘረድኡ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናቱ ዘተግበሮ እገዳ ዘለዎ ተቃውሞ ንምግላጽ፣ ኣብ ጁባ ንዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዘዘራረቦ ካብታ ከተማ ዝተፈነወ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ሱዳን ኣብ ልዕሊኣ ብኣመሪካ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓል ሕብረት ኤውሮጳ ኣበርክቶ ክገብር ጸዊዓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ምስ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳን ኣምባሳደራት ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ካርቱም ብምርኻብ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ውሳኔ ክትህበሉ ምዃና ዝገለጸቶ እገዳ ንኽልዓለ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ናይዘን ሃገራት ከምዘድሊ ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ድያ ወይስ ከምዘለዎ ክትቕጽሎ፣ ኣብ መፋርቒ ወርሒ ጥቅምቲ ውሳኔ ክትህብ’ያ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0