ዛምብያ 141 ኢትዮጵያ ስደተኛታት ቀይዳ

ዛምብያ 141 ኢትዮጵያ ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 08 October, 2014

ethio Refuge

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሳግሙ ዝነበሩ 141 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዛምብያ ተታሒዞም።

ማዕከን ዜና ደይሊ መይል ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን በብእዋኑ ዝተቐየዱ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብቲ ምስ ዚምባብዌ ዘዳውብ ዶብ ናኮንደ’ዮም ተታሒዞም።

እዞም ዶባት ኬንያን ታንዛንያን ኣቛሪጾም ዛምብያ ምስኣተዉ ዝተታሕዙ ኢትዮጵያውያን፣ ዶባት ዛምብያን ዚምባብዌን ሰንጢቖም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ዝወጠኑ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

 

ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ዝነበራ ሓንቲ ቶዮታ ሓንቲ ከኣ ኒሳን ዝዓይነተን ክልተ ናይ ዛምብያ ናይ ጽዕነት መካይን’ውን ተታሒዘን መራሕተን መርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር የመልክት።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣማኢት ኢትዮጵያን ዶባት ሓሙሽተ ሃገራት ብምቁራጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ’ዩ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0