ዚምባብዌ፣ ጽምብል 40 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተሰሪዙ

Radio Erena: 20 April 2020

ዚምባብዌ፣ ኣብ 18 ሚያዝያ ዝካየድ ዓመታዊ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት፣ ሎሚ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከተእንግዶ ኣይከእለትን።

ህዝቢ ዚምባብዌ፣ እንጻር ብሪጣንያን ድሕሪ ዘካየዶ ፖለቲካዊን ዕጥቃውን ቃልሲ፣ ኣብ 18 ሚያዝያ 1980 ናጽነቱ ከምዝተጎናጸፈ ይዝከር።

ካብቲ እዋን’ዚ እቲ ኣትሒዙ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ባዴራታትን ስእሊ ናይ ቃልሲ መራሕትን እናንበልበሉ፣ ዓመታዊ ነታ ዕለት ይጽንብሉ።

ካብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣትሒዙ ግና፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ መብጽዓታትን ድሕሪ ናጽነት ብግብሪ ዝተረኽበ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓርነትን ዘይዛየምድ ዝኾኖ ሓድሽ ወለዶ ‘ታ ሃገር፣ ንጽምብል መዓልቲ ናጽነት ዚንባብዌ ብዙሕ ትርጉም ክህቦ ኣይጸንሐን።

ቃልሲ ንናጽነት ካብ ዝመሑ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኾነ ሮበር ሙጋበ፣ ካብ እዋን ናጽነታ ክሳብ 2017፣ ን37 ዓመታት ንዚምባብዌ መሪሑዋ።

እቲ ፕረዝደንት ነበር፣ ብእርጋን ተሰኒፉ ክሳብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስልጣን እኳ እንተጸንሐ፣ ቅድኒ ሰለስተ ዓመታት ግና ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፣ ብኣባላት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ተተኪኡ።

ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ሙጋበ’ውን እንተኾነ ኣብ ዚምባብዌ ዝመጸ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ለውጥታት የለን።

ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታ እታ ሃገር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን እናተሰደዱ’ዮም ህይወቶምን ህይወት ስድራቤታቶም ዝኣልዩ።

ብቀዳም 18 ሚያዝያ ክጽንበል ዝተሓሰብ መበል 40 ዓመት ናጽነት ዚምባብዌ ድማ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ደኣ ይሰረዝ ‘ምበር፣ እንተዝጽንበል’ውን ኣብቲ ሓድሽ ወለዶ ትርጉም ዘለዎ ከምዘይኮነ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር መረዳእታኦም ዝህቡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0