ሱዳን፣ ኣዋጅ ውሸባ ዝጠሓሰ ወትሃደራዊ ኣማሓዳሪ ካርቱም ካብ መዝነቱ ተባሪሩ

Radio Erena: 20 April 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣዋጅ ውሸባ ንዝጠሓሰ ኣማሓዳሪ ካርቱም፣ ሌተናንት ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱን ካብ መዝነቱ ሰጕግዎ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ በዓል ስልጣን፣ ንኣዋጅ ውሸባ ብምጥሓስ፣ መሳጊድ ስሩዕ ኣገልግሎተን ክህባ ብምፍቓዱ’ዩ ብውሳኔ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ጀነራል ካብ ሲቪላዊ ወገን ብዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ምእላዉ፣ ኣብ ካርቱም ጸጥታዊ ምፍጣጥ ከምዝተፈጥረ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦ ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ከምዝተኻየደ ዘመልከቱ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ካርቱም ድማ፣ እቲ ጀነራል ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ዕልዋ ንምክያድ ከምዝሃቀነ’ዮም ዝጠቕሱ።

እንተኾነ፣ እቲ ዝተሰጎጎ ጀነራል ዕልዋ ንምክያድ ሃቒኑ ዝብል ሓበሬታ፣ “ዝተሰነዐ” ‘ዩ ክብል ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋዴር ዓምር መሓመድ ኣል ሓሰን ገሊጹ።

ሱዳን፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ 3 ሞትን ልዕሊ 29 መልከፍትን ሰባት ከምዝመዝገበት’ያ ትገልጽ።

ዝበዝሐ ምልክታት እቲ ሕማምን ሞተን ዝመዝገበረት ከተማ ካርቱም፣ ነበርታ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ባይቶም ክዕጸው ኣዊጃ ትርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0