ዚምባብዌ፣ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ግዳይ ዳእላ ይኸውን

ዚምባብዌ፣ ሓድሽ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ግዳይ ዳእላ ይኸውን

Radio Erena: 13 October 2017

minister internet zimbabwe

ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘካየዶ ምቅይያር ሚኒስተራት፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ንዝነበረ ፓትሪክ ቺናማሳ ካብ መዝነቱ ብምእላይ፣ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ክኸውን ምምዛዙ፣ ግዳይ ዳእላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኮይኑ።

እቲ ንሓያሎ ዓመታት ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ በዓል ስልጣን፣ ናብቲ ኣብ ምቁጽጻርን ድሕነትን ኢንተርነት ዘተኮረ ሓድሽ ሚኒስትሪ ምምዛዙ፣ ሓያሎ መርበባት ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ‘ሃገራዊ ፌስቡክ’ እናበላ ክቕልዳሉ እንከለዋ፣ ካልኦት ድማ ሓላፊ ‘ሃገራዊ ዋትስኣፕ’ ክብላ ጠቒሰንኦ።

ከም ዋትስኣፕ፣ ቫይበርን ኢሞን ዝኣመሰለ ብኢንተርነት ናጻ ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ዝህብ ምህዞታት፣ ናጽነት ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ክቆጻጸራ ኣብ ዝደልያ ሃገራት ጽኑዕ ምቁጽጻር ከምዝግበረሉ ይፍለጥ።

ዚምባብወ ካብቲ ብኢንተርነት ክወርዳ ዝኽእል ስግኣት ንላዕሊ ብናይ ባጤራ ቅልውላው ኣብ ሓደጋ እናሃለወት፣ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንሚኒስተር ፋይናንስ ናብ ሚኒስተር ውሕስነት ኢንተርነት ምቕያሩ፣ ኣብቲ ሚኒስተር እምነት ከምዘይብሉ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

ብእርጋን ተሰኒፉ ዝርከብ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብቲ ዘካየዶ ምቅይያር ካቢነ ሚኒስተራት፣ ንሚኒስተር ዜና ነበር ናብ ሚኒስተር ማህደረ ትምህርቲ ቀይርዎ ኣሎ።

ንኽብሪ እቲ ፕረዚደንት ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዩኒቨርሲቲ ክህነጽ ብካቢነ ሚኒስተራት ንዝቐረበ እማመ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘጽደቖ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ምቅይያር ካቢነ ሚኒስተራት ዘካይድ ዘሎ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽወዳደር ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ን38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ’ውን እተተዓዊቱ፣ ክሳብ 99 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ።

እቲ ተደጋጋሚ እዋን ናብ ሆስፒታል ዝመላለስ ዘሎ ፕረዚደንት ክሳብ’ቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ብህይወት ኣይጸንሕ’ዩ ክብሉ ተቓወምቲ ወገናት ግምታቶም ይገልጹ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0