ሊብያ፣ ሚሊሻ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ተገሊጹ

ሊብያ፣ ሚሊሻ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 October 2017

libya_hostagesኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ሚሊሻታት ሊብያ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ መዝርዓታት ስብራታ ዳጕኖሞም ዝርከቡ ሚሊሻታት ኣብ ንሓድሕዶም ድሕሪ ዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ እቶም ስደተኛታት ነብሶም ንምድሓን ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ፣ ዝበዝሑ ግና ብኻልኦት ኣባላት ሚሊሻ ከም ምሩዃት ጅሆ ተታሖዝም ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ።

 እቶም ሚሊሻታት፣ ነንዝሓዝዎም ስደተኛታት ኣብ መኻዚኖታትን መዝርዓታትን እናኣከቡ፣ ነፍሲ ወከፍ ክሳብ 3 ሽሕ ዶላር ክኸፍል የገድድዎም ምህላዎም ዝሓበሩ ካልኦት ወገናት ድማ፣ ኣብቲ መዝርዓታት ብዘይ መግብን ማይን ይሳቐዩ ምህላዉ ኣተሓሒቦም።

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሳብራታ ንምቁጽጻር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቃት ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውግእ፣ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ መንጎ ተቐርቒሮም ከምዘለው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብኢሱ ዘሎ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ሊብያ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0