ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ

ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 13 October 2017

oromo

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ከባቢታት ኣምቦን ሻሸመኔን ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ ሰልፈኛታት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ካብ ስልጣን ክወርድን ዝጽውዕ ጭርሖታት ከምዘስምዑ ተገሊጹ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከምዚ ዓይነት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ኦሮሞን ሶማልን ዝተጎሃሃረ ግጭት ገና ፍታሕ ኣብ ዘይረኸበሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብምኽንያት’ቲ ዝሓለፈ ቅነ ዝተባዕለ ሃይማኖታዊ በዓል ህዝቢ ኦርሞ- ኢሬቻ ተቓውሞን ናዕብን ከይጎሃሃር ተሰጊኡ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ርእሰ በዓላት ህዝቢ ኦሮሞ ብዘይዝኾነ ተቓውሞ’ዩ ሓሊፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ በዓል፣ ኣማኢት ሰባት ዝቐተለን ዘቑሰለን ናዕቢ ከምዝተኻየደ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ነቲ ንኣስታት 10 ኣዋርሕ ዝኣወጆ ህጽጽ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ’ዩ ኣልዒልዎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0