ዙር ርዋንዳ 2020 ሎሚ ሰንበት መጋረጅኡ ኣብ ዝቐንጠጠሉ፣ ኤርትራውያን ድሙቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም

Radio Erena: 23 February 2020

ኣብ’ዚ ካብ ከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ፡ ኣብ ርዋማንጋና ብምብጻሕ ናብ ኪጋሊ ዝተመልሰ፡ ናይ 114.4 ኪሎ ሜትር ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሙቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም።

ነዚ ናይ ሎሚ ቅድድም፡ ሳልሳይ ርእሱ ሃዲሙ ብድሕሪ ምውዓሉ፡ ካብ ሃድን ዓባይ ጉጅለ ንስክላ ኣምሊጡ ኣብ መወዳእታ ንበይኑ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝበጽሐ፡ ካዛኪስታናዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ቪኖ ኣስታና ሞቶርስ፡ የቭገኒይ ፌዶሮቭ፡ ብ2 ሰዓታት፡ 44 ደቓይቕን 59 ካልኢታትን ተዓዊትሉ።

ድሒራ ፋሕፋሕ ኢላ ካብ ዝመጸት ዓባይ ጉጅለ ድማ፡ 15 ካልኢታት ዝተፈንተተ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ንተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኒፖ ዴልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ብ3 ካልኢታት ኣኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ’ዚ 3 ኤርትራውያን ምስ 10 ቀዳሞት ኮይኖም ውድድሮም ዝፈጸምሉ ቅድድም፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን 7ይ ተርታ ተሰሪዑ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን “ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” ተባሂሉ ኣብ ፖድየም ክድይብ ከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ፡ ብደረጃ ጋንታ 1ይ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።

ብዩ.ሲ.ኣይ ናይ 2.1 መዐቐኒ ደረጃ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ’ውን ካብ ኪጋሊ ተበጊሱ ኣብ ሁየ ብዝፍጸም፡ ናይ 120.5 ኪሎ ሜትር ውድድር ክቕጽል’ዩ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ ናይ ሰሉስ ቅድድሙ ድማ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ዝጓዓዝ ናይ 142 ኪሎ ሜትር ክሽፍን’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0