ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣምቦ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፊ ብዝተወርወረ ቦምባ 10ታት ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 24 February 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ከተማ ኣምቦ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፊ ብዝተወርወረ ናይ ኢድ ቦምባ 10ታት ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

በቲ ብሰንበት 23 ለካቲት ዝተኻየደ፣ ኣብ ልዕሊ ንኣብይ ኣሕመድ ዝድግፉ ሰፈኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 29 ሰባት ብቀሊል ምቑሳሎም ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣረጋጊጸን።

እንተኾነ፣ ቁጽሪ ቁስላት ካብዚ ከምዝዛይድ ዝገልጹ ካልኦት ወገናት፣ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ከምዘለውይ’ውን ኣመልኪቶም።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ እቲ ክልል ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግናን ንምድጋፍ ፍቓድ ዝረኸቡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ጎደናታት ክወጹ እንከለዉ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳን ዝቓወሙን ወገናት ሰልፊ ከየካየዱ ከምዝተኸልከሉ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ሓደ ብሄር’ውን ፖለቲካዊ ምትፍናን እናዓበየ ክመጽእ ይርአ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብዚ ሳልስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ፣ ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ቦራዩ ዛጊት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ወገናት ከምዝተቐንጸለ ተሓቢሩ’ዩ።

ምስ ቅንጸላ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ 17 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ጠቒሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0