ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ረዲኤት ንምብጻሕ ዝተላእካ ናይ ጽዕነት መካይን ከምዝዓገቱን ከምዘቃጸሉን ተገሊጹ

Radio Erena: 21 November 2022

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ዞባ ጉጂን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዞባ ከሚሺን ናብ ዝርከብ መዓስከራት፣ ረዲኤት ንምብጻሕ ዝተላእካ ናይ ጽዕነት መካይን ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝዓገቱን ንገሊኤን ድማ ከምዝዘመቱን ከምዘቃጸሉን ኮሚሽን ህጹጽ ሓደጋታት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዘፍለጠ፣ ብ17 ሕዳር ኣብ ዘቕረቦ ወቕታዊ ጸብጻብ’ዩ።

እተን ንሰለስተ ኣዋርሕ ተዓጊተን ኣለዋ ዝተባህለ መካይን ብዝሐን 10 ክኸውን እንከሎ ናይ ዝተቓጸላን ዝተዘምታን ብዝሒ ግና ኣይተነጸረን።

እቲ ኮሚሽን ነቲ ምዕጋት፣ ምዝማትን ምቕጻልን ዝፈጸመ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኦነግ ሸኔ ምዃኑ ብምውቃስ፣ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ፈጢርዎ ብዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት፣ ረድኤት ንዘልድዮም ዜጋታት እታ ሃገር ብኣግኡ ንምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣስሚርሉ።

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም፣ ኣብ ዝባ ምዕራብ ወለጋ፣ ከተማ ነቐምቴ፣ ዞባ ጉጂን፣ ዞባ ከማሺ ናይ ክልል ቤኒሻንጉልን ብዘካየድዎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉን ወፍሪ ሕርሻ ዝርከቦ ትካላት ከምዝዓነወን ኣቐዲሙ ተሓቢሩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0