ኤርትራ፣ ግፋን ምእሳር ወለድን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 21 November 2022

ኣብ መላእ ኤርትራ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ ምእሳር ደቆም ከረክቡ ዘይክኣሉ ወለዲን ምዕሻግ ኣባይትን ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ምንጭታት ራድዮ ብዝሓበርዎ መሰረት፣ ግፋን ማእሰርቲ ወለዲን፣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ብተመሳሳሊ’ዩ ቀጺሉ።

ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲን ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ሻቕሎት ከህድኦን ግፋን ማእሰርቲ ወለዲ ክሃድእን፣ ህዝቢ ተጸብዩ እኳ እንተነበረ፣ ብኣንጻሩ ግና ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ብኢሱ ምህላው ‘ዮም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኤርትራ፣ ሕሰም መነባብሮ፣ ስእነት ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ምስ ግፋ፣ ማእሰርቲ ወለዲን ምዕሻግ ኣባይቲን ተደሚርዎ፣ ሃገር ናብ ጸልማት ‘ያ ተሰጋጊርራ ብምባል ደምዲሞም።

ይኹን’ምበር፣ ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍ፣ ሰብ ረብሓን ፍሉይ ተልእኾን፣ ንዝተወሰነ ምስሊታት ከተማ ኣስመራ፣ ባጽዕን ካልእ ከተማታትን ብኣሳእል ኣቀናቢሮም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብምዝርጋሕ፣ ‘ንናይ ኤርትራ ዝዳረግ ሰላም የለን’ ዘርእስቱ ፕሮፖጋንዳታት ክነዝሑ ከምዝርኣዩ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ቤት፣- መወዳእታ ብዘይብሉ ዕስክርናን ግፋን፣ ሞትን ስንክልናን፣ ማእሰርቲን ስደትን ተጎሳቝላ ምህላዋ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘይፈልጥን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳታት ዝታለልን ኤርትራዊ የለን ዝብል እምነት ከምዘለዎም ኣሚቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ደቆም ዘየረከቡ ዜጋታት ናይ ምክልባት መስርሕ፣ ጋዜጠኛ ኤሪቲቪ፣ ኢሳቕ መሓሪ፣ ካብ ግፋ ኣምሊጡ ተሰዊሩ ንዘሎ ወዱ ናብ ዕስክርና ክሳብ ዘረከብ ተኣሲሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኢሳቕ መሓሪ፣ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ከባቢ እንዳማርያም ኣብ ዝርከብ ተራ መንበሪ ገዛ ኣብ ዝመስል ማእሰርቲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘረጋገጹ ምንጭታት ራድዮ ኤረና፣ ስድራቤቱ’ውን ንሒደት መዓልታት መንበሪ ቤቶም ተዓሺጉ ምንባሩ ሓቢሮም።

 

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0