ዕላማ ዑደት ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ የዘራርብ

ዕላማ ዑደት ሰለስተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ የዘራርብ

Radio Erena: 05 February 2016

Claude

ሰለስተ ኣባላታ ፈደራላዊ ፓርላማ ስዊዘርላናድ ናብ ኤርትር ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ፣ ናይ ክብሪ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ቶኒ ሎሸ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረ’ዩ።

ንሳቶም፣ ዕላማ ዑደቶም፣ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም እናሃደሙ ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ዘሕትተኦም ዘሎ ጠንቂ ንምጽናዕ ምዃኑ’ዮም ዘረድኡ።

 

ሓደ ካብቶም ናብ ኤርትራ ዑደት ካከይዱ ምዃኖም ዝተሓበረ ክሉድ ቤልጅ፣ ምስ ማዕከን ዜና ኣር.ቲ.ኤስ ኣብ ዘካየዶ ቃ መጠይቕ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ኩርንዓ ናይቲ ጠንቂ ጥራይ ከረድኣና ክፍትን እኳ እንተኾነ፣ እቲ ካልእ ጠንቅታት ስደት ኤርትራውያን’ውን ብናትና መንገዲ ከነጻርዮ ክንፍትን ኢና ኢሉ።

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብተደጋጋሚ ንዝጠቅስዎ መዓስከራት ንኽበጽሕ ብመነግስቲ ኤርትራ ክፍቐዶ ከምዘይኮነ’ውን እቲ ስዊዘርላንዳዊ ፖለቲከኛ የረድእ።

ዑደት እዞም ፖለቲከኛታት ናብ ኤርትራ ኣዘራራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናብ ኤርትራ ዝብገስ ኣባል ፓርላማ፣ ወጻኢታቱ ባዕሉ ክሽፍን ምዃኑን ነዚ መረጋገጺ ከኣ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዝኽእሉን’ውን ክሉድ ቤልጅ ብተወሳኽኪ ጠቒሱ።

የማናውያን ሰልፍታት ስዊዘርላንድ፣ “ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም፣” ብምባል ኣንጻሮም ክጉስጉሱ እንከለዉ፣ ጸጋማውያን ሰልፍታት ከኣ በንጻሩ፣ ኣብ ኤርትራ ምልኪን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ብምጥባቕ፣ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም’ዮም ዝሓቱ።

እዞም ናብ ኤርትራ ዑደት ከካየዱ ምዃኖም ዝግለጽ ዘሎ ኣባላት ፓርላማ፣ ካብቶም ‘ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም’ ዝብል መርገጺ ዝሓዙ’ዮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዞም ካብ የማናውያን ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዕድመ ምቕራቡ፣ ብሓያሎ ፖለቲከኛታትን ማዕከናት ዜናን እታ ሃገር ብዓይኒ ጥርጣረን ነቐፌታን ይርአ ኣሎ።

ኣብ ዓመተ 2015፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 39, 523 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን 9966 ምዃኑ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ለ ታ (Le Temps) የመልክት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0