ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ኣባል ባይቶ ጸጥታ ክትከውን ደጊፉ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ኣባል ባይቶ ጸጥታ ክትከውን ደጊፉ

Radio Erena: 05 February 2016

banki moon

ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ኣባል ባይቶ ጸጥታሕቡራት ሃገራት ንኽትከውን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎ ደገፍ ከምዝገለጸ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ካብ 30 ክሳብ 31 ጥሪ 2016 ዘካየዶ መበል 26 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት’ዩ ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ንክልተ ዓመታት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ደገፉ ዝገለጸ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት፣ ኢትዮጵያ ኣባል እዚ ኣብ ዓለምና ዝልዓለ ስልጣን ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ ንኽትከውን ክንደይ ሃገራት ደጊፈን ክንደይ ከ ተቓዊመን ብብዝሒ ድምጺ ዝተነጸረ ነገረ የለን።

 

ባይቶ ጸጥታ፣ ነታ መዲና ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንኣፍሪቃ ብምውካል ንክልተ ዓመት ዘይቀዋሚት ኣባሉ ክትከውን እንተተቐቢሉ፣ ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይሕብሩ።

ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንምዃን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ከምዘካየደት ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ለገስቲ ሃገራት ኣብዚ ዝቕጽል ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይ መግቢ ረዲኤት ክልእካ እንተዘይክኢለን፣ 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝጠዓም ከምዘይህልዎ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

እዚ መተሓሳሰቢ ዝቐረበ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ከምኡ ድማ ሓለፍቲ ትካላት ረዲኤት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ምዃኑ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ብደርቂ ኣውራ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ’ውን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ነዚ ገጢሙዋ ዘሎ ናይ ደርቂ ሓደጋ ንምምካት ክሳብ 1.4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ’ያ ትሓትት ዘላ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0