ምምሕዳር ካሌ፣ ብስደተኛታት ንዝተሃንጻ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ኣዕንዩ

ምምሕዳር ካሌ፣ ብስደተኛታት ንዝተሃንጻ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ኣዕንዩ

Radio Erena: 05 February 2016

Calais

ምምሕዳር ከተማ ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ብስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሃንጸት ቤተ ክርስትያን ኣዕንዩ።

እቲ ምምሕዳር፣ ነታ ናብ ብሪጣንያን ንምስጋር ኣብ ኣብ ጫካታት ካሌ ብዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቴንዳ፣ ኣዕኑድን ዚንጎታትን ዝተሃንጸት፣ ቤተክርስትያን ዘፍረሰሉ ምኽንያት፣ እቲ ከባቢ ናይ ጸጥታ ሓጹር ክክጋረድ ስለዝኾነ’ዩ ብዝብል’ዩ።

ሓያሎ ምእመን ናይታ፣ ‘የጃንግሉ ቅዱስ ሚካኤል ወይ ናይ ጣሻ ቅዱስ ሚኪኤል’ ተባሂላ እትጽዋዕ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣ ንከይትፈርስ ተቓውሞ እኳ እንተካየዱ፣ ምምሕዳር ካሌ ግና ብዶዘራት ኣዕንዩዋ።

 

እቲ ምምሕራ፣ ኣብቲ ብ1 ለካቲት ዘካየዶ ናይ ምፍራስ መስርሕ፣ ብዘይካ’ታ ኣብ ካሌ ዝነውሕ ዕድመ ዘለዋ ግንንቲ ቤተክርስትያን፣ ድሒረን ዝቖማ ካልኦት ንኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን’ውን ከምዘዕነወ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 6 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ካብቲ ቦታ ክእለዩ ምምሕዳር ካሌ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት ኣብ ምግባር ይርከብ።

ሓደ ካብኡ ከኣ፣ ስደተኛታት ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ተሓጊዞም ንዘቖምዎ ቲነዳታት ብምብታን ናብ ካልአ ቦታ ክግዕዙ ምግዳድ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0