ዓቕሚ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጎ ንምዕባይ ብሃገራዊ ኩባንያ ቻይና ክካየድ ዝጸንሐ መደብ ኣብ ምዝዛም ቀሪቡ

ዓቕሚ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጎ ንምዕባይ ብሃገራዊ ኩባንያ ቻይና ክካየድ ዝጸንሐ መደብ ኣብ ምዝዛም ቀሪቡ

Radio Erena: 16 April 2015

hirgigo

ዓቕሚ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጎ ንምዕባይ ካብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2013 ኣትሒዙ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ኣብ ምዝዛም ከምዝተቓረበ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ብሃገራዊ ኩባንያ ቻይና ክካየድ ዝጸንሐ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ንምሃብ ይቀራረብ ከምዘሎ’ውን እቲ ምንጪ የመልክት።

 

እቲ ናይ ሒርጊጎ ማእከል፣ በዚ ተኻይድሉ ዘሎ ዓቕሚ ናይ ምዕባይ መስርሕ፣ ዝህቦ ናይ ኤሊክትሪክ ኣገልግሎት ካብ 84 ሚጋዋት ናብ 132 ሜጋ ዋት ክብ ክብል’ዩ።

ሒርጊጎ፣ ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነፈርቲ ኵናት ኢትዮጵያ ብዘካየድኦ ደብዳብ ከፊላዊ ጉድኣት ከምዝወረዶን ብሓገዝ ንግስነት ኩዌት ድማ ዳግም ከምዝተጸገነን ይዝከር።

እንተኾነ ብሰንኪ ዋሕዲ ነዳዲ፣ ፋርነስን ካልእ መቐያየሪ ኣቕሑን ማእከል ኤለኢክትሪክ ሕርጊጎ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሕ ብዘይምጽንሑ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ዋሕዲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ።

ሃገራውያን ኩባንያታት ቻይና ኣብ ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደምን ዕደና ዛራን ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ ግና፣ ናብዚ ወፍርታት እዚን ካልእ መደባትን እኹል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምብጻሕ፣ ቻይና ንዓቕሚ ሕርጊጎ ንምዕባይ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0