ዓርቢ ሓርነት፣ ‘ስደት መፍትሒ’ድዩ? ተለዓል’ ዝብል ዝተጻሕፎ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ዘርጊሑ

ዓርቢ ሓርነት፣ ‘ስደት መፍትሒ’ድዩ? ተለዓል’ ዝብል ዝተጻሕፎ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ዘርጊሑ

Radio Erena: 29 August, 2014

Nakfa tezaribu

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ህዝቢ ኣንጽር ምልኪ ሓቢሩ ንኽልዓል ዝጽውዕ ጭርሖ ዝተጻሕፎ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ከምዝዘርግሑ፣ ኣካያድቲ ኣብ ስደት ንዝርከባ መደብ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ዝበዝሐ ክፋል ናይዚ ገንዘብ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣስመራ፣ ቀጽሪ ኤክስፖ ዝተዛዘመ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተዘርግሐ ክኸውን ከሎ፡ ገለ‘ውን በተን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ንግዲ ትካላት ኣቢሉ ኣብ ዕዳጋ ይዘውር ከም ዘሎ ነቲ ስራሕ ዝፈጸሙ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ምግላጾም፣ እቶም ኣወሃሃድቲ ጠቒሶም።

 

እቲ ዝተዘርገሐ ገንዘብ “ስደት መፍትሒ ድዩ፧ ተላዓል!” ዝብል ዝተጻሕፎ ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ ድማ

እቲ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸንኪርዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ፣ ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ሞትን ህልቂትን ዘምርሕ ድኣ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኮነ ንምዝኽኻር’ዩ።

ነዚ፣ ኣብ መንግስቲ ሻቕሎት ዝፈጠረ ፍጻሜ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካልእ ንጥፈታት ንምክያድ’ውን ተደላዮም ከምዘለዉ’ዮም ምሕባሮም እቲ ዝበጽሃና መግለጺ ብተወሳኺ የመልክት።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0