‘ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ፕሮጀክታት ዕደና ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፈሩ ኣለዉ።’ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

‘ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ፕሮጀክታት ዕደና ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይዋፈሩ ኣለዉ።’ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

Radio Erena: 29 August, 2014

Nation Slave

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሃገራዊ ኣገልግልሎት ሒዝዎም ንዘሎ መንእሰያት፣ ኣብ ፕሮጀክታት ዕደና ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ የዋፍሮም ህላዉ፣ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ወቒሱ።

እቲ መንግስቲ፣ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ቢሻን ካልኦት ኩባንያታት ዕደናን፣ ምስቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክታት ብዘይመጣተን ዳርጋ ብናጻ ክፍሊት ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ጸሚድዎም ከምዘሎ ብተደግግግጋጋሚ እዋን ክውቀስ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ከባቢ ገላዕሎ ኣብ ዝርከብ ሶሉሊ ኣብ ዝተባሃል ቦታ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ፖታሽ፣ ብተመሳሳሊ መንእሰያት ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ጸሚዱ፣ ከምዘሎ እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሪ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

 

ኣብቲ ዕደና ፖታሽ ዝካየደሉ ዘሎ ኣስታት 180 ኪሎሜተር ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ርሒቁ ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ዝርከብ ከባቢ ሶሉሊ፣ ነቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ባይታ ንምጥጣሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምዝርጋሕ ጽግርያ፣ መንእሰያት ብግዴታ ኣብቲ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝተገብረ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ምስራሕ ጽርግያ ካብ ዝተዋፈራ ናይ መንግስቲ ናይ ህንጻ ኩባንያታት ሓንቲ፣ መረብ ኮንስትራክሽን፣ ከምተን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኪባንያታት፣ ዝበዝሑ ኣባላታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፣ ብዘይዝኾነ ክፍሊት ኣብ ብናጻ ኣብ ናይ ጉልበት ኣዋፊራ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት መኽሰብ ዘለወን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣህጉራውያን ኩባንያትት ዕደና፣ ምስ ባርነት ብዝጽብጸብ፣ ብዘይዝኾነ ክፍሊት ብመንገስቲ ተገዲዶም ንዝመጽወን ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ካብ ምውፋር ክቑጠባ’ውን ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ እዋን ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም ዝውዕሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንወርሒ ዝኽፈሎም ስማዊ ናይ ጁባ፣ ብመንጽር ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክርአ እንከሎ፣ ሓሙሽተ ኤውሮ ወይ ድማ ሸውዓተ ዶላር’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0