መንግስቲ ኤርትራ፣ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ማዕረግ ወሰኽ ጌሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ማዕረግ ወሰኽ ጌሩ

Radio Erena: 01 September, 2014

eri Generals

መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመጀመርያ እዋኑ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ብእኩብ ናይ ማዕረግ ወሰኽ ከምዝገበረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ናይ ማዕረግ ወሰኽ፣ ኣቐዲሞም ናይ ሜጀረ ጀነራል ማዕረግ ዝነበሮም ኣርባዕተ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ናይ ሌተናትን ምሉእ ናይ ጀነራል ማዕረግን ክወሃቦም እንከሎ፣ ሓሙሽተ ብርጋዴር ጀነራላት ድማ ናብ ደረጃ ሜጀር ጀነራል ደይቦም ኣለዉ።

 

ብርክት ዝበሉ ኮለነላት ናብ ደረጃ ብርጋዴር ጀነራል፣ ሓያሎ ሜጀር ድማ ናብ ሌተናትን ምሉእ ናይ ኮለነል ማዕረግን ተሰጋጊሮም ምህላዎም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን፣ ኣርባዕተ ጽሩራ ዘለዎ ምሉእ ጀነራል ሚኒስተር ምክልካል ነበር ስብሓት ኤፍሬም ጥራይ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ድሕሪ ሞት ሜጀረ ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም፣ ሓላቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዝተመዘዘተ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ናብ ምሉእ ከምዝተሰጋገረ ይፍለጥ።

በዓል ኣርባዕተ ጽሩራ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሚኒስተር ማዕድን ኮይኑ ናብ ሲቪል ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ብጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝምራሕ ዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብዚ እዋን’ዚ መን ይመርሖ ከምዘሎ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ካብዞም ማዕረግ ወሲኾም ዘለዉ ጀነራላት ክርቑሓሉ ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ማዕረግ ምድልዳል ከይተገብረሎም ምጽንሑ ብቀጻሊ ዘዕዘምዝምሉ ዝነበሩ ጉዳይ’ዩ።

ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሚኒስተር ዑቕበ ኣብርሃ’ውን፣ ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያ በዓል ኣርባዕተ ጽሩራ ምሉእ ናይ ጀነራል ማዕረግ ተዋሂቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፣ ምስ 15 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ ማዕረጉ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝቕንጠጥ ተጌሩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0