ው.ሕ.ሃ.፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዪዱዎም ንዝጸንሐ ፖለቲከኛታት ውሕስነት ክህብ ምውሳኑ ብሓጎስ ተቐቢሉ

Radio Erena: 09 January 2022

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዪዱዎም ንዝጸንሐ ፖለቲከኛታት ውሕስነት ክህብ ምውሳኑ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም መራሕቲ ውድባትን ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ካብ ማእሰርቲ ምውጸኦም፣ ንዘተ ሰላም ውሕስነት ዝህብ ውሳኔ’ዩ ክብል ሞገሱ ገሊጹ።

እቶም ተቐዪዶም ዝጸንሑ እሱራት ናጻ ዝወጹ ዘለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሮ በዓል ልደት ድሕሪ ዝሃቦ ቃል፣ ሃገራዊ ዕርቂ ክጅመር ምዃኑ ምስ ምንጋሩ ዝተኣሳሰር እዩ ዝብል ብሓደ ወገን፣ ምስ ምብጻሕ ልኡኽ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ዝተሓሓዝ’ዩ ዝብል በቲ ካልእ ወገን፣ ትንተናታት ይወሃቦ ኣሎ።

ካብ’ቶም ናጻ ዝወጹ እሱራት፣ በቀለ ገርባ፣ ሃምዛ መሓመድ፣ እስክንድር ነጋ፣ ጃዋር መሓመድ፣ ስብሓት ነጋ፣ ቅዱሳን ነጋ፣ ኣባይ ወልዱ ኣባዲ ዘሙ፣ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄርን ኪሮስ ሓጎስን ይርከብዎም።

ብዓርቢ 7 ጥሪ እቲ ምልክታ ብወግዒ ኣብ ዝተነግረሉ፣ ከም ኣቦ ወንበር ተቓዋሚ ውድብ ባልደራስ፣ እስክንድር ነጋ ዝኣመሰሉ ብኡ ንብኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ እንከለዉ፣ ገለ እሱራት ከኣ ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ክንወጽእ ብምባል ኣብቲ ተቐዪዶምሉ ዝነበሩ ክጸንሑ ከምዝደለዩ ገሊጾም።

ጠበቓ ጃዋር መሓመድ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ውሕስነት መሬት ምስ ዓረበ እዩ፣ ምሸት ምድሪ ከኣ ብዘይሓለዋ ምንቅስቓስ ሓደጋ ኣለዎ’ ብምባል ጃዋር መሓመድ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ ወሲኑ ኢሉ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲዱዎ ዘሎ ምልቃቕ እሱራት ፖለቲካ፣ ኢትዮጵያ ክትኣትዎ ንእትህቅን ዘላ ሃገራዊ ዋዕላ ዕድል ዝኸፍት እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ኩነታት እታ ሃገር ምስቲ መንግስቲ ኣብ ዝዓበየ ረጽሚ ዘሎ ህወሓት ክሳተፍ ስለዘይኮነ፣ ምሉእ ሃገራዊ ዕርቂ ዝፈጥር ኣይኮነን ዝብል ትንታነ እዩ ዝወሃቦ ዘሎ።

ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸቲሎም ሓያሎ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም፣ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ ብእወታ ከምዝርእዩዎ ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን፣ እቲ ብሰንኪ ምድኻም ሓልይታት ክልቲኦም ወገናት የዕሪፉ ዘሎ ኲናት፣ ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ደጊሞም ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0