‘ዘተ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጀነራል ኣልቡርሃንን፣ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን’ዩ’ ሲቪካውያን ማሕበራት

Radio Erena: 09 January 2022

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምዕራፍ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ዘተ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ምህላዉ ብምምልካት፣ እታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ እትኸደሉ መንገዲ የድልያ ኣሎ ኢሉ።

ኣብቲ ርክብ፣ ኣልቡርሃን፣ እቶም ኣብ መሰጋገሪ ቆንስል ተሪፎም ዘለዉ ኣካላት፣ ዝጀመሩዎ ስራሕ ብእዋኑ ኣጻፊፎም፣ ሱዳን ዝጀመረቶ ጉዕዞ ናጽነት፣ ሰላምን ፍትሕን ክትዛዝም ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘድልያ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስቲ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዘተ ምክያዱ፣ ንህዝቢ ሱዳን ክሕደት እዩ ዝብል ተቓውሞ ካብ ሓያሎ ሲቪካውያን ማሕበራት ሱዳን ይስማዕ።

ህዝቢ ሱዳን’ውን ኣብ ዘካዪዶ ዘሎ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ምስ ዝሓዘ ኣካል ምዝታይ፣ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ወግዓውነት ምልባስ እዩ ዝብል ጭሮሖ ብተደጋጋሚ ኣስሚዑ እዩ።

ብኻልእ ወገን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ረቡዕ ዕለት 12 ጥሪ ንጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት ኣኼባ ከካይድ እዩ።

እቲ ኣኼባ ብኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኣልባኒያን ዝተጸወዐ እዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ኣኼባ ዕጹው ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፣ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት የለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0