ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ናይ 250 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 21 February 2023

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብቐዳም 18 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነዚ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓመተ 2022 ብዘጋጠማ ባህርያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕ ፓኪስታን ኣካል እዚ ሓገዝ ክትከውን እንከላ፡ ብሰንኪ ስእነት ውሕስነት መግቢ ኣብ ሓደጋ ክኣትዋ እየን ዝተባህላ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንኮ፡ ሆንድዩራስ፡ ሊባኖስን ማዳጋስካርን እውን ኣብቲ ዝርዝር ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ንዓመታት ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ ብዝብል፡ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ወፍርታት እናጸመደ ብግዱድ ከሸቅልን ከዕስክርን ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፡ዘይከምቲ ዝጀሃረሉ ኣብ መዝገብ ብሕጽረት ውሕስነት መግቢ ዝምጽወታ ሃገራት ተሰሪዑ ይርከብ።

እዚ ን19 ሃገራት ክከፋፈል ትጽቢት ዝግበረሉ ሓገዝ፡ ናብታ ንዓመታት ሲቪላውያን ትካላት ረድኤት ከይዋፈራላ ዝተኸልከለት ኤርትራ ብኸመይ ክበጽሕ እዩ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን እምበር ንኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ ዝከታተሉ ተንተንቲ፡ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ድጋፍ ከም ዘይሕሰምን፡ ብኣንጻሩ ብናይ ወጻኢ መሻርኽቲ ኣካላት ዝዕመሙ ወፍርታት ካብ ካዝንኡ ኣውጺኡ ከም ዝሰርሖምን ናይ ገዛእ ርእሱ ፕሮጀክትታትን ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ንሓያሎ ዓመታት ክሰርሓሉ ጸንሐ ምትላል ምዃኑ ይገልጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0