ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ዝመጹ ወከልቲ መንግስቲ እስራኤል፣ ካብቲ ኣደራሽ ተሰጒጎም

Radio Erena: 20 February 2023

ኣብ መበል 36 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ዝመጹ ወከልቲ መንግስቲ እስራኤል፣ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ቅድሚ ምጅማሩ፣ ካብቲ ኣዳራሽ ብምስጓጎም፣ መንግስቲ እስራኤል ተቓዊሙ።

እስራኤል ናይ ተዓዛቢ ወግዓዊ ፍቓድ ተዋሂቡዋ ክነሱ፣ ብወደብቲ’ቲ ዋዕላ ካብቲ ኣዳራሽ ክትስጎግ ዝኸኣለትሉ ምኽኒያት፣ ኣልጀሪያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝወደበኦ ሽርሒ’ዩ፣ ክብል እዩ መንግስቲ እስራኤል ዝኸስስ። ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ እውን መብርሂ ሓቲቱ’ሎ።

እስራኤል ንዕስራ ዓመታት ካብ ተሳታፍነት ዋዕላታት ሕብረ ኣፍሪቃ ተኣጊዳ እኳ እንተጸነሐት፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ወግዓዊ ፍቓድ ተዋሂቡዋ ምንባሩ ይፍለጥ።

እስራኤል ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፣ ‘ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ክግስግስ ዝግበኦ፣ ብውሑዳት ጥሩፋዊ ኣተሓሳስባ ዝምራሓ ሃገራት፣ ክጥምዘስ ምርኣይ ዘጉህይ እዩ፣’ ኢላ።

ብውልቀ መላኽነት ዝኽሰሱ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝቦኾሩሉ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ወከልቲ መንግስታትን ብተዓዛብነት ይሳተፉ ምህላዎም ይግለጽ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ብእስራኤል ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ብምሃብ፣ እስራኤል መርትዖኣ ሒዛ ክትቀርብ ዝጽውዕ መግለጺ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖዛ ምውጽኡ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0