ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሱዳን፡ ጊኒ፡ ብርኩናፋሶን ማልን ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳታት ክቕጽሎ ወሲኑ

Radio Erena: 21 February 2023

ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መበል 36 ጉባኢኡ ከካይድ ዝቐነየ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ብሰንበት 19 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ መዕጸዊ ኣኼባ፡ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ዝመርሕወን ኣባል ሃገራት ዘጽንዖ ማዕቀብ ከም ዘለዎ ክቕጽል ውሳኔኡ ኣመሓላሊፉ።

ማሊ፡ጊንን ሱዳንን ኣብ 2019 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ሓደሽቲ ስርዓታት ድሕሪ ምትካለን ካብቲ ውድብ ዝደስከላ ክኾና እንከለዋ፡ ቡርኩና ፋሶ ዝሓለፈ ዓመት ናብአን ምጽንባራ ይፍለጥ።

“ዜሮ ተጻዋርነት ንዘይቅዋማዊ ለውጢ መንግስቲ” ዝብል መርገጺኡ ደጊሙ ዘነጸረ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ማሊ፡ ቡርክናፋሶን ጊኒን እንተላይ ካብቲ ECOWAS (ኢኮዋስ) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኢኮኖምያዊ ምትእኽኻብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ክእገዳን፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናተን ናይ ጉዕዞ ማዕቀባት ክግበርን ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብሰንበት 19 ለካቲት ከም ዝተዛዘመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ኤርትራ ጥራይ ዘይትሳተፎ ኣፍሪቃዊ ንግዳዊ ቀጠና ክዉን ንምግባር ቃል ብምእታውን ንመራሒ ኮሞሮስ ፕረዚደንት ኣዛሊ ኣሱማኒ ከም ኣቦ ወንበር ብምምራጽን ኣኼብኡ ዛዚሙ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0