ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ጽባሕ ኣብ ብራስለስ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 16 February 2022

ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ጽባሕ ሓሙስ 17ን ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ 18ን ለካቲት፣ ኣብ ቤልጁም፣ ከተማ ብራስለስ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ንግዲ፣ ዕድላት ወፍሪ፣ ስደት፣ ምትሕግጋዝ ኣብ ምሕደራ፣ ሰላምን ጸጥታን ዘተኮረ፣ መበል ሻድሻይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፣ ሓያሎ ሃገራት ብመራሕተን ክወከላ እንለዋ፣ ካልኦት ድማ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣቢለን ክሳተፋ’የን።

ናይ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ታንዛንያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሮ ናብዛ መዲና ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ከተማ ኣቕኒዖም ኣለዉ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ዋዕላ፣ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ገጢሙወን ዘሎ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ደርቂን ጥሜትን ከምኡ ድማ ግጭታትን ክዝተየሉ ትጽቢት ይግበር።

መበል ሓሙሻይ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ ሕዳር 2017፣ ኣይቮሪኮስት፣ ከተማ ኣቢጃን ምክያዱ ይዝከር።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ 5ን 6ን ለካቲት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኤርትራ ኣብ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ከልዕል ጸዊዖም ‘ዮም።

============================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0