ዋንነት እስራኤል ዝኾነት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብሃንደብት ዓሊባ

ዋንነት እስራኤል ዝኾነ ቦይንግ 767 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሃንደበት ከምዝዓለበት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

 መንነቶም ዘይተፈልጡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ተሳፈርቲ ካብታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝዓለበት ነፋሪት፣ ካብታ ነፋሪት ወሪዶም ኣብ ሓደ መጸበይ ኣጋይሽ ክኣትዉ ዝተዓዘቡ እቶም ምንጭታት፣ ጠንቒ ምዕላብ እታ ነፋሪት ቲክኒካዊ ጸገም ምዃኑን ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ካልኣይቲ ነፋሪት መጺኣ ነቶም ተሳፈርቲ ክትወስዶም ምዃናን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሓበሬታ ከምእተዋህቦም’ውን ገሊጾም።

መብዛሕቶም እቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፣ እታ ባንዴራ እስራኤል ዘለዋ ዓባያ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪ ምዕላባ፣ መንግስቲ እስራኤል ዝሰጎጎም ኤርትራውያን ከምዝመሰሎም’ውን እቲ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ማዕከን ዜና እስራኤል ታይምስ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ድማ፣ እታ ነፋሪት ካብ ታይላንድ ከተማ ባንኮን ናብ ቴልኣቪብዝ ተምርሕ ምንባራን ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ድማ ኣብ ኣስመራ ክትዓለብ ከምእተገደደትን ገሊጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0