ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ዝሞቱ 311 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም ጻውዒት ቐሪቡ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ዝሞቱ 311 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም ጻውዒት ቐሪቡ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ናይ ዝሞቱ ኤርራውያን ተረኺቡ ዘሎ ሬሳ 311 በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ኣብ መበቖል ዓዶም ኤርትራ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብስ ጻውዒት ይግብር ኣሎ።Lampe

 

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት’ዮም ኢሉ ጎስዮም ዘሎ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን፣ ሬስኦም ክቕበልን ስድራቤታቶም ብወግዓዊ ከርድእን ባህላውን ሕጋውይን ሓለፍነት ከምዘለዎ ዘዘኻኸሩ ሓያሎ ወገናት፣ እቲ መንግስት መዓልቲ ሓዘን’ውን ክእውጅ ከምዝግብኦ ጠቒሶም።

ቆልዑን ህጻናትን ናይ ዝርከብዎም ሬሳ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣብ ሳናዱቕ ኣኪባ ዘላ ኢጣልያ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ሬሳ ኣበይ ክቕበር ምዃኑ ግና ኣይሓበረትን።

ብመሰረት እዚ ዝቐረብ ዘሎ ጻውዒት ድማ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ንመንግስቲ ኤርትራ ሬሳ ዜጋታቱ ክቕበል ክሓትት ምዃኑ ይግለጽ።

ትማሊ ሮቡዕ ናብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ኣብ ላምፔዱሳ ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኤንሪኮ ሌታ፣ እቶም ግዳያት ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከምዝግበረሎም እኳ እንተሓበረ፣ ዝቕበርሉ ቦታ ግና ኣየነጸረን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ሆሰ ልዊስ ባሮሶን፣ ናብ ላምፔዱሳ ኣብ ዝበጽሕሉ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ንጉዳይ’ቶም ብባሕሪ ዝመጹ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ ህዝቢ እታ ከተማ ተቓውሞ ኣካይዱ።

ናብ ላምፔዱሳ ዝበጽሐ ባሮሶ፣ ኣብ ኢጣልያ ንዝርከቡ ስደተኛታት መጣየስ ዝኸውን ሕብረት ኤውሮጳ 40 ሚልዮን ኤውሮ ሰሊዑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ ድማ ውልቀሰባትን ብሞት እዞም ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽታት የመሕእላልፉ ኣለዉ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ዝጨንፈሩ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣቶ ሮሞዳን ደራንካ፣ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ፣ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ኣሰንቢዱ ዘሎ ሞት ኣምኢት ኤርትራውያን፣ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝወረደ ተራ ሓደጋ ኣምሲሉ ክጎስዩ ምፍታኑ ከምዘቖጥዖ ብምጥቃስ፣ ንስድራቤታትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ በዚ ኣብ ላምፔዱሳ ኣብ ሎዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተሰናበዳ 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ኣብ ሉክሰንበርግ ኣኼባ ኣካይደን።

27 ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት እዘን ሃገራት ኣብቲ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተመሳሳሊ ኣሰቓቒ ሓደጋ ከየጋጥም እንታይ ክግበር ይኽእል ኣብ ዝብል ናይ ድሕነትን ጸጥታን ነጥብታት ኣልዒሎም ከምዝዘተዩ’ውን ተፈሊጡ።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0