ጠንቒ ምጥሓል እታ ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ዘህለቀት ጃልባ’ዩ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ ካፕቴን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ጠንቒ ምጥሓል እታ ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ዘህለቀት ጃልባ’ዩ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ ካፕቴን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ህይወት ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ዝኾነ መራሒ እታ ጃልባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም።Benn

እቲ ካልድ ቤን ሳልም ዝተባህለ ቱኒዝዊ መራሒ ጃልባ፣ ነታ 16 ቆልዑን ህጻናትን 100 ድማ ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 500 ኤርትራውያንን 8 ኢትዮጵያውይንን ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ ናብ መሬት ከየጸግዐ ሞቶር ብምጥፋእ፣ ኣንሶላ ብምቕጻል ዝፈጠሮ ሓደጋ እታ ጃልባ ብምጥሓላ’ዩ ሞት ልዕሊ 230 ኤርትራውያን ስዒቡ ዘሎ።

ብመሰረት ሰበ ስልጣን ኢጣልያ፣ እቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ቱኒዝያዊ መራሒ ጃልባን ተሓጋጋዚኡን ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ሓምቢሶም ክወጹ እንከለዉ፣ በቶም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተለልዩ’ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።

 

ኢጣልያ ነቶም ዛጊት ሬስኦም ተረኺቡ ዘሎ ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብይ ክትቀብሮም ከምዝወሰነት እኳ እንተዘይሓበረተ፣ ኣብ ኤርትትራ ንብሱር ሓማድ ኣዳም ክለብሱ ግና ሓያሎ ወገናት ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።

ብሞት እዞም መዛረቢ መላእ ዓለም ኮይኖም ዘለዉ ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ዕጥጥ ዘይበሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሬሳ ናይዞም ኤርትራውያን ክቕበል ፍቓደኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን’ውን ኣይሓበረን።

ዛጊተ ተኣኪቡ ዘሎ ሬሳ 250 ክበጽሕ እንከሎ ኣብቲ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዘለዉ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ኤርትራውያን ሬሳ ግና ክርከብ ኣይከኣለን ዘሎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0