ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 July 2018

Endaba guna

ዶባት ብምቁራጽ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝስደዱ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ካብቲ ዝነበሮ ከምዘይቀነሰ፣ እንዳ ‘ባ ጉና ካብ ዝርከብ ማእከል መጻረዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ቅነ፣ ስድራቤታት፣ ብዘይኣላዊ ዝመጹ ቆልዑን ኣባላት ሰራዊትን ዝርከብዎም ኣስታት 100 ኤርትራውያን ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 160 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ በብእዋኑ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ፣ ንናይ ዑቕባ መሰላቶም ከየተዓናቕፍ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎቶም ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ቐደሙ ክቕበል ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ብጠለብ ናይቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፍፍፍፍፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት፣ ትካል ስደተኛታት ጌጋታቱ ክእርም፣ ብስም ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ብልሽውና ክውገድ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም መስርሕ ተጀሚሩ እኳ እንተሎ ብወገን ኤርትራ ግና ዝተመሓየሸ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ይኹን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ስለዘየለ፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ሕሉው ክኸውን፣ ብዘይድለቱ ተገዲዱ ጣዕሳ መሊኡ ናብ ኤርትራ ዝምለስ ኤርትራዊ ስደተኛ’ውን ከምዘይህሉ ዘረጋግጽ ምንባሩ ካልኦት ምንጭታት ኣብ ዝሃብዎ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣነጺሮም።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0