ጅቡቲ፣ ምስ ኤራትራ ዘለዋ ምስሕሓብ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ሓቲታ

ጅቡቲ፣ ምስ ኤራትራ ዘለዋ ምስሕሓብ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ሓቲታ

Radio Erena: 20 July 2018

Djibouti Ambassador in Yemen

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ምስ ኤርትራ ዘለዎ መዕለቢ ዘይረኸበ ምስሕሓብ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ከምዝሓተተ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ጅብቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ድዋለ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ኣባላት ሃገራትን ኣብ ዝዘርግሖ ክፉት መልእኽቲ፣ ምስ ባይቶ ጸጥታ ብምምኽኻር፣ ምስ ኤርትራ ንዘሎ ምስሕሓብ ብሰለማውን ንኽልትኤን ብዘርብሕን መንገዲ ክፍታሕ ተላብዩ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ መልእክቱ፣ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ቬኔዙዌላን ጉያንን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክርአ ምምሕልላፉ ብምምጓስ፣ ኣብ ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን’ውን ተመሳሳሊ ውሳኔ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ግንቦት 2008 ናብ ኵናት ዘምርሐ ጅቡትን ኤርትራን፣ ካብ 2010 ኣትሒዘን ብመንጎኝነት ቀጠር ናይ ሰላምን ዕርቅን መስርሕ ጀሚረን እኳ እንተነበራ፣ ጅቡቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ድሕሪ ምብታኽን ኤርትራውያን ምስ ስዑዲ ዓረብ ከምእትውግን ድሕሪ ምግላጻን፣ ቀጠር ነቲ ንሸውዓተ ዓመታት ከተታትዮ ዝጸንሐት ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዘቛረጸቶ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ቀጠር ኣብቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ከባቢታት ኣዋፊራቶ ዝነበረት ኣስታት 300 ተዓዛቢ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ስሒባ።

ባይቶ ጸጥታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ጅቡቲ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ፣ ኣብ 2011 እገዳ ከምዘነብረሉ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0