ቅልውላው ቁጠባ ሱዳን፣ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ይኸይድ

ቅልውላው ቁጠባ ሱዳን፣ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ይኸይድ

Radio Erena: 22 July 2018

sudan marketቅልውላው ቁጠባ ሱዳን፣ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ይኸይድ ከምዘሎ፣ ማእከል ስታቲስቲክስ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ማእከል ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቁጠባዊ ዝቕባበ ሱዳን ናብ 63.86 ሚእታዊት ከምዝዓረገ ኣፍሊጡ። ኣብ ምእታው ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ፣ ዋጋታት ኣጭርቕትን ሳእንን ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ነገራት ብምውሳኾም ጥራይ ደረጃ ዝቕባበ ምትንካፉ፣ ቁጠባ’ታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ተዳኺሙ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።

ብካልእ ወገን፣ ፓውንድ ሱዳን ብመንጽር ዶላር ብፍላይ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ እንዳወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣመሓዳሪ ባንክ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ትካላት መንግስቲ ወጻኢታተን ክቆጻጸራ፣ ንሰደድ ዝዓለመ ምህርቲ ከምዝዛይድ እንተዘይተገይሩ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይከውን ኣፍሊጡ።

ከምዝዝከር መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2017 ዝኾነ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ሒዙ ዝተረኽበ ክሳብ 10 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ክፍረድ ምዃኑ ምእዋጁ ይዝከር።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0