ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ የሻቕል

ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ የሻቕል

Radio Erena: 28 September 2018

Endabaguna

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 11 መስከረም ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ልዕሊ 15 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ተሓቢሩ።

ድሕነት ሲቪላውያንን ሰብኣዊ ሓገዝን ኤውሮጳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነጥፋ ትካላት ስደተኛታት ብምውካስ ብ26 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ዕለታዊ ጸብጻብ፣ ካብዞም ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኣስትትታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ምስ ስድራቤታትም ንምርኻብ፣ ገሊኦም ሃገር ንምብጻሕ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብዙሓት ድማ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብ ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓትቲ ዑቕባ ብኣስታት ኣርባዕተ ኦጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ቅድሚ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ መዓልታዊ ብገምጋም 50 ኤርትራያውያን ዑቕባ ንምሕታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ብዝሒ ናብ ልዕሊ 200 ዓሪጉ ኣሎ።

ወኪል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ UNHCR ብህዝብዎ ዘለዉ ትንበያ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ካብዚ ዘለዎ ክንህር ምዃኑ’ዮም ዝግምቱ።

እቲ ምኽንያት ድማ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ መሰል ደቂ-ሰብን ቁጠባን ዝመጸ ዝኾነ እወታዊ ለውጢ ስለዘየለ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ብዝሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 175 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ብዙሓት ካብዚኣቶም ከኣ ብዘይኣላዩ ዶብ ዝሰገሩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0