ወኪል ብሪጣንያ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ኣስመራ ቀንዩ፣ ብሪጣንያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፈረንሳ ትነቕፍ

ወኪል ብሪጣንያ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ኣስመራ ቀንዩ፣ ብሪጣንያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፈረንሳ ትነቕፍ

Radio Erena: 15 December 2014

CalHo

ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክረዳድኣ ኣይከኣላን።

ፈረንሳ ነቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ዘለዉ ኣስታት 1500 ስደተኛታት፣ ካብ ቀዝሕን በረደን ንምድሓኖም ግዝያዊ መዕቖቢ ክትሰርሕ እንከላ፣ ብሪጣንይ በንጻሩ መንግስቲ ፈረንሳ ዶባቱ ክዓጹ ኣይከኣለን እናበለት ትነቕፍ ኣላ።

ኣብ ካሌ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዘሎ ሓያል ቀዝሒ ካብ ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ንምድሓኖም መንግስቲ ፈረንሳ ንዓቢ መኽዘን ናይ ሓደ ፋብሪኻ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቀይርዎ ምህላዉ ይግለጽ።

 

ብሪጣንያ እዚ ናይ መንግስቲ ፈረንሳ ተበግሶ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ከተባብዕ’ዩ ብምባል ትቓወሞ ኣላ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፣ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዘዳውቦ ወደብ ካሌ ጽኑዕ ምቁጽጻር ንምግባር፣ ፖሊስን ሓለዋ ዶባትን ኣብ ውሽጢ ፈረንሳ ከምዝኣትዉ ክገብር እንከሎ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ፈረንሳ ነዚ ተበግሶ እዚ ክቓወምዎ ይርኣዩ ኣለዉ።

ብሪጣንያ፣ ኣብ ባሕሪ ካብ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ንምድሓን ብሃገራት ኤውሮጳ ዝቀረበ ተበግሶ ኣብ ርእሲ ምንጻጋ፣ ዶባት እናቖራረጹ ንዝመጹ ስደተኛታት’ውን ኣብ ዶብ ፈረንሳ ንምዕጋት ናይ ሚልዮናት ዶላራት ባጀት ሰሊዓትሉ ኣላ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብዋሕዚ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ብዝልዓለ ኣብ ዝዘራረባሉ ዘለዋ እዋን፣ ሓደ ካብቲ መፍትሒ ሓሳብ ዝበልኦ ምስተን መንግስታት ናይተን ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ምዝርራብ ምዃኑ’የን ዝኣምና።

ኣቐዲሙ መንግስቲ ኢጣልያ ናብታ ብብዝሒ ስደተኛታት ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ዘላ ኤርትራ ብምብጻሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝግትኣሉ መንግድታት ከምዝዘተየ ዝዝከር’ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ብሪጣንያ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘተኮረ ኣርእስታት ንምዝርራብ ሓደ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ከምዝልኣኸት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ልኡኽ ዴንማርክ’ውን ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ክፍልከጥ እንከሎ፣ ፈረንሳ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ዝርርብ ንምክያድ መደብ ምህላዉ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ኦላንድ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ፈረንሳ ዝነብርሩ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ወጻኢን ብዝምልከት ሎሚ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራ፣ ስማ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ብስደት ክልዓለ ይስማዕ ምህላዉ ንሓያሎ ጽቡቕ’ዛ ሃገርን ህዝባን ዝምነዩ ወገናት ዘጉሂ ኮይኑ ኣሎ።

=================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0