ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ህወሓት ዝተመስረተ ክሲ ብሃንደበት ዝሰረዘሉ ምኽንያት መብርሂ ክህብ ሓቲቱ

Radio Erena: 07 Febraury 2022

ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ህወሓት ዝተመስረተ ክሲ ዝተሰረዘሉን ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ድማ ብሃንደበት ዝተፈትሕሉን ምኽንያት መብርሂ ክህብ ከምዝሓተቱ ንመግለጺ ምክትል ኣፈኛ ፓርላማ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ሃንደበታዊ ምፍታሕ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት ነበርን ምቁራጽ ክስታት ናይ ካልኦትን ብዝምልከት ተገማሚዖም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ክድዓት ሃገር፣ ሽበራን ካልእን ዝብል ከበድቲ ገበናት ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩን ተሃዲኖም ክእሰሩ ትእዛዝ ዝተመሓላለፈሎም መራሕቲ ህወሓት፣ ብሃንደበት ክሶም ተቛሪጹ፣ እቶም ዝተኣስሩ ድማ ብሃንደበትን ብዘይቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ንዘተ ሰላም እታ ሃገር ዕድል ንምሃብ ምዃኑ መንግስቲ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስትር ፍትሒ እታ ሃገር፣ ዶ/ር ጊደዎን ጢማቴዎስ ኣቐዲሙ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ተመሳሳሊ መብርሂ እኳ እንተ ሃበ፣ ካብ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዋጣሪ ሕቶን ተቓውሞን ገጢምዎ።

ውሳኔ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ‘ዝተጎድኡ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ ዝብል ምጉት ኣልዒሎም፣ ንምስራዝ ክሲን ምፍታሕ እሱራትን መራሕቲ ህወሓት ዝቃወሙ ዘለዉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብሚኒስተር ፍትሒ ዝቐረበ መብርሂ ስለዘይተቐበልዎ ድማ’ዮም ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተወሳኺ መብርሂ ዝጠልቡ ዘለዉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ክህብ ምዃኑ ንምክትል ኣፈኛ ፓርላማ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እኳ እንተመልከታ፣ ዝካየደሉ ዕለት ግና ኣየነጸራን።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንምክያዱ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ፣ ዝርዝር ናይ ዝሳተፉ ውድባት፣ ግንባራት ይኹን ካልኦት ኣካላት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ህወሓት ግና ካብ ቀንዲ ተሳተፍቲ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0