ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል

Radio Erena: 02 July 2019
ኣብ ሱዳን ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪድ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ጎነጻዊ ስጉምቲ ምውሳድ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይገልጹ።
ህዝቢ ሱዳን ድሕሪቲ ናይ 3 ሰነ መቕዘፍቲ ኣማኢት ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ውዳበታቱ ኣዛሕቲሉ ድሕሪ ምጽናሕ ማሕበር ሰብ ሞያ ብዝገበሮ ጻውዒት ዳግማይ ብ30 ሰነ መጠነ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ይፍለጥ።
እንተኾነ ኣብዚ ብ30 ሰነ ዝተገብረ ሰልፊ’ውን ኣብ ሞንጎ ሰልፈኛታትን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ብዝተኻየደ ግጭት 7 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን 200 ዝኾኑ ድማ ብፎኪስን ከቢድን ቆሲሎም ከም ዘለዉን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ታ ሓቢሮም።
ንሳቶም ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ዝሞቱ 3፣ ሬስኦም ኣብ ኡምዱርማን ዝርከብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተደርብዩ ከምዝተረኽበ ሓቢሮም።
ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ሰልፈኛታት እቲ ናይ ሰልፊ መስመር ብምልዋጦም ስለዝሞቱት ናይ’ዞም ግዳያት ተሓተቲ ኣካየድትን ወደብትን ናይቲ ኣድማ እዮም ክብል ይኸስስ።
ነዚ ኣብ ህዝቢ ሱዳን ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ቀንዲ ዝሕተተሉ፣ ከም ስሩዕ ሰራዊት’ታ ሃገር መሲሉ ኣብ ጎድኒ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝቖመ፣ ምልሻ ጃንጃዊድ እዩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝኸሱ።
ኣብ ፈለግ ናይልን ካልኦት ካብ ከተማ ወጻኢ ዝርከቡ በረኻታትን፣ ናይ ሓያሎ ሰባት ሬሳ ተረኺቡ ብምህላዉ ኣብ ሱዳን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ህዝቢ፣ ዝያዳ ዋጋ ይሓትት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛ ህዝቢ ሱዳን ዝግበር መጥቃዕቲ ብትሪ ከም ዝኾነኖኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ እገዳ ዝኸይድ ውሳኔ ክትወስድ ከም ትኽእል ኣጠንቂቓ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0