‘’ንጸላእትና ብርዒ ሒዝና ዘይኮነ፣ ብካላሽንኮቭ ክንምክቶም ድሉዋት ኣለና’’ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

Radio Erena: 02 July 2019
ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ክዘርጉ ንዝፍትኑ ወገናት፣ ብርዒ ሒዝና ዘይኮነ፣ ብካላሽንኮቭ ክንምክቶም ድሉዋት ኣለና ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንቤት ምኽሪ ሃገሩ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቲ ብ22 ሰነ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝፈጸመ፣ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ደኣምበር ከምቲ ገለ ወገናት ክብልዎ ዝጸንሑ ኣብ ሓደ ክልል ጥራይ ዝተራእየ ፍጻሜ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኢትዮጵያ ተኸሲቶም ዘለዉ ብሄር ዝመሰረቶም ግርጭታት ክኣጉዱ ንዝፍትኑ፣ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር ዘለዉ ወገናት፣ ትዕግስትና ተጸንቂቑ ስለዝኾነ፣ ‘በቲ ልሙድ ዝኾነ ኣገባብ’ ዓጸፌታዊ ምላሽ ክንህቦም ኢና፣ ድሕሪ ምባል ዝኾነ ጉዳይ ዘለዎ ወገን ብሕጋዊ መንገዲ ሓቲቱ ሕጋዊ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ብዓቕሊ ክጽበይ ጥራይ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
ገለ ወገናት ካብ ተቓወምቲ ውድባት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ኣባላትን መራሕቲ ውድባትን ንምእሳር፣ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ከም ምኽንያት ተጠቒሙሉ ክብሉ’ዮም ዝኸሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጻሉ ጽባሕ ኣትሒዙ፣ ንህዝቢ ዝንገርን ዘይንገርን ኢሉ ዝገለጾ ሓያለይ ፈተነታት ዕልዋን ዝተወደበ ናይ ረብሻ ምልዕዓልን ክካየድ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።
ንምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝምልከት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ዞባና ሰፊሕ መተሓላለፊ ንግዳዊ መስመራት ስለዝውንን፣ ከምኡ’ውን ብቐጥታ ስለዝጸልወናን፣ ተዓዘብቲ ካብ ምዃን ቀሪብና ክንከታተሎ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕግጋዝ ንሃንጾ ዘለና እዩ ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካዪድ ትጽቢት ዝግበረላ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምርጫ መካየዲ ዝተሰለዐ ባጀት 3.5 ቢልዮን ብር ከምዝኾነን፣ ናይ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ምርጫታት ተደሚሮም ፍርቂ ናይዚ ተሰሊዑ ዘሎ ባጀት ከምዘይኮኑን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0