ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 02 November 2022

ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ቀጥታዊ ዘተ፣ ብረቡዕ 02 ሕዳር 2022 ብስምምዕ ተዛዚሙ።

ክልቲኦም ወገናት 8 ነጥብታት ዝሓቖፈ ስምምዕ ከምዝኸተሙ በብወገኖም ኣብ ዘውጽዎ መግለጺታት ኣረጋጊጾም።

ኵናት ደው ክብል፣ ሓድሕዶም ዘካይድዎ ናይ ጽልኢ ዘመተን ተጻብኦታትን ከውግዱ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበጽሕ፣ ከም ቴሌፎን፣ ኢንተርነትን ባንክን ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ክጅምር፣ ድሕነት ዜጋታት ብማዕረ ውሑስ ክኸውን፣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ክምለስ፣ ኢትዮጵያ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ክህልዋ ብዘፍቅድ ዓንቀጽ ቅዋም መሰረት፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተገምጊሙ ዕጥቖም ክፈትሑን ናብ ሰለማዊ ናብርኦም ክምለሱን ካብ ቀንዲ ነጥብታት እቲ ስምምዕ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺን ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ክህነጽን፣ ጽልእን ቅርሕንትን ዝጽሕትር ንጥፈታት ደው ክብል ዕርቅን ዳግመ ሕውየትን ንምትግባር ዘኽእል ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ምህላው’ውን ካብቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፕሪቶርያ ዝተሰማምዕሉ ጉዳያት’ዩ።

እቲ ስምምዕ ቀልጢፉ ናብ ትግባር ክሰጋገርን፣ ኣውሓስቱ ድማ ብዕቱብ ክከታተልዎን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ በቲ ስምምዕ ሕጉሳት ምዃኖም ይገልጹ እኳ እንተለዉ ኣብ ኣተገባብርኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ግምታት ይህቡ።

ብፍላይ ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ምምላስ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብቲ ክልልን ካብ ቀንዲ ዕንቅፋታት ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

ኣብቲ 8 ነጥብታት ዝሓቖፈ ስምምዕ፣ ከም ቀንዲ ነጥብታት ክልዓሉ ትጽቢት ዝተነብረሎም ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ምምላስ ወልቃይት ዝርከቦ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ክልላዊ መንግስቲን ብዝርዝር ኣይተጠቕሱን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0