ኮንግረስ ፓርቲ ሱዳን፤ ኣብ ዕለት 10 ግንቦት ዝጅምር ሃገራዊ ዘተ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 09 May 2022

ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሱዳን፤ ‘ኮንግረስ ፓርቲ ሱዳን’፤ ኣብ መደብ ሃገራዊ ዕርቂ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብቀዳም 7 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቲ ዘተ፤ ቅኑዕ መንገዲ ሰላም ኣይኮነን ኢሉ ስለዝኣምን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ተማእኪሉ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ግንቦት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ንሃገራዊ ዕርቂ፤ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንክፈትሕ ብማሕበረሰብ ዓለም ትጽቢት ክግበረሉ ጸኒሑ’ዩ።

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፤ ”ቀዳማይ ደረጃ ንሃገራዊ ዘተ፤ ምብቃዕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ስለዝኾነ፤ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሰጋገር ኣለዎ” ብምባል ኣብቲ ዋዕላ ከምዘይሳተፍ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ እዩ።

ኮንግረስ ፓርቲ ብወገኑ፤ ‘ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣኑ ክሳብ ዘየረከበ፤ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ዘተ ኣይንሳተፍን’ ብምባል’ዩ ነቲ ጻውዒት ዝነጽጎ ዘሎ።

መደብ ሃገራዊ ዕርቂ ንክጅመር ካብ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት፤ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ፤ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝግበር ጎነጽ ደው ክብል ከምኡ’ውን ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከብቅዕ ዝብሉ ይርከብዎ። እንተኾነ ሓደ ካብቶም ቅድመ ኩነታት ዝተፈጸመ የለን ብምባል እዮም፤ እዞም ፖለቲካውያን ሓይልታት ነቲ መደብ ዝሕሰምዎ ዘለዉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0