ኢትዮጵያ፤ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ጸዓት ኤለክትሪክ ንምሻጥ ስምምዓት ተካይድ

Radio Erena: 09 May 2022

ኢትዮጵያ፤ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ጸዓት ኤለክትሪክ ክትሸይጥ ስምምዓት ተካይድ ከምዘላ፤ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

በዓል መዚ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስተር ጸዓት ደቡብ ሱዳን ኣፈናዊ ስምምዕ መሸጣ ጸዓት ኣብ ዝተፈራረመሉ፤ ናይ 100 ሜጋዋት ሰደድ ብምግባር ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ነዳዲ ክትረኽቦ ዝጸንሐት ጸዓት ናብ ኤለክትሪክ ንምቕያር፤ ካብ ኢትዮጵያ ናይ 400 ሜጋዋት ጸዓት እታው ክትገብር መደብ ከምዘለዋ እዩ ዝፍለጥ።

ተመሳሳሊ ውዕላት ምስ ሶማሊላንድ፤ ሩዋንዳ፤ ታንዛኒያን ብሩንዲን ተፈራሪማ ዘላ ኢትዮጵያ፤ብድምር ትሕቲ 10 ሚእታዊት ካብ ፍርያት ጸዓት እያ ንሰደድ ከተውዕል።

ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ንኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ፤ ኬንያን ሱዳንን ዘራኽብ መስመራት ኤለክትሪክ፤ ብባንክ ኣፍሪቃ ንምዕባለ ዝተመወለ እዩ።

ንኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ምስሕሓብ ዘእተዋ ምህናጽ ዲጋ ተሓድሶ፤ ዝተወሰነ ማይ ብምዕቋር፤ከፊላዊ ፍርያት ጸዓት ንምምንጫው ስርሑ ከምዝጀመረ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0