ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፤ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት፤ ልዕሊ 200 ግዜ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ጥሒሱ

Radio Erena: 09 May 2022

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፤ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ጥሒሱ ብምባል ሓይልታት ሑቲ ከሲሶም።

ወሃብ ቃል ኣልሑቲ ብሰንበት 8 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን፤ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 200 ግዜ ንግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዝጠሓሳ ገሊጹ።

ነፈርቲ ኲናት ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 80 ግዜ ኣብ ክሊ ግዝኣት የመን ከምዝዘንበያ ዝኸስስ ሑቲ፤ ካልእ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣጋር ሰራዊትን ምጥሓስ ዶባት እውን ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፤ ኣብ እዋን ጾመ ሮሞዳን፤ ምልውዋጥ ምሩኻትን ናይ ረዲኤት መስመር ምኽፋትን ንዝብል ስምምዓት እዩ ፈሪሙ እምበር፤ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ መደብ ካብ ፈለምኡ እውን ኣይነበሮን ዝብሉ ፖለቲከኛታት እቲ ዞባ ብወገኖም፤ ናብ ወደብ ሖደይዳ ክኣቶ ዝግብኦ መግብን መድሃኒትን ዝጸዓነ ቃፍላይ፤ ገና ኣብ መንገዲ ተዓጊቱ ምህላዉ ኣዘኻኺሮም።

ብዓል ስልጣን ነዳዲ የመን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ናብ የመን ክኣቱ ዝተመደበ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፤ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተፍትሽ ተገይሩላ ክነሱ፤ ስዑዲ ዓረብ ናብ ወደብ ምጽጋዕ ከሊኣታ ከምዘላ ሓቢሩ።

ውግእ ሓድሕድ የመን፤ ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ደርቅን ዓጸቦን ኣኸቲሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0