ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውንን ኣትሌታት ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ሓቲቶም ይብሃል ኣሎ

ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውንን ኣትሌታት ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ሓቲቶም ይብሃል ኣሎ

Radio Erena: 30 July, 2014

Eri Ethio Athle

ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ኣትሌታት ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ይግለጽ ኣሎ።

እተን ክልተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣትለታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፋ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ሰለስተ ደቂንስትዮን ሓደ ወድን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ድማ ተሰዊሮም ኣለዉ።

ሰበ ስልጣን ድማ እቶም ተሰዊሮም ዘለዎ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውን ዑቕባ ንምሕታት’ዩ ዝኸውን ዝብል ግምታት ሂቦም።

 

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ኤርትራን ኣብ ቅድምም ጉዳያ እግሪ ዓቢ ተስፋ ዘለወን ሃገራት እኳ እንተኾነ፣ እቶም ነባራት እንተዘይኮይኖም ሓደስቲ ኣትለታት ናብ ወጻኢ ኣብ ዝልኣክሉ ግዜ ብብዝሒ ይሃድሙ ብምህላዎም ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝልለያሉ ዓይነት ስፖርት ከየዳኽም የስግእ’ዩ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0