ክልተ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ክልተ ከተማታት ፈረንሳ ብኻራ ንደቂንስትዮ ኣጥቂዖም

Radio Erena: 13 July 2022

36 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ፣ ንተሓጋጋዚት ማሕበራዊ ጉዳያታ ብካራ ከምዘጥቅዐት ተሓቢሩ።

ኣብ 2020 ናብ ፈረንሳ ከምዝኣተወት ዝተሓበረት እታ መንእሰይ፣ ካብ ፓሪስ ኣስታት 240 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከተማ ቡርዥ’ያ ዑቕባ ሓቲታ ክትነብር ጸኒሓ።

ንሳ፣ ኩነታታ ክትከታተል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ገዝኣ ንዝመጸት ተሓጋጋዚት ማሕበራዊ ጉዳያት (Social assistant) ብሃንደበት ብካራ ደጋጊማ ከምዝወጋኣታ፣ ካብቲ ዞባ እትፍኖ ናይ ኤፍ ኤም ራድዮ ብሉ ገሊጻ።

እታ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ክፍሊ ኣካላታ ብከቢድ ተወጊኣ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ኣላ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀይዲ እትርከብ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሳ፣ ጉዳያ ንዓርቢ 15 ሓምለ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ፣ ከተማ ሞንፐልየ፣ ብሃንደበት ንሓንቲ ጓለነስተይቲ ብካራ ዘጥቅዐ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ እታ ከተማ ኣመልኪቱ።

እቲ ገና ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዘይብሉ ዝተገልጸ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ምስ ሓፍታን ጓል ሓፍታን ኣብ ህዝባዊ መናፈሲ ኮፍ ኢላ ንዝነበረት ጓል 47 ዓመት ጓለነስተይቲ፣ ብ11 ሓምለ ብካራ ከምዘጥቅዓ፣ መርበብ ዜና 20 ደቓይቕ (ቫ ሚኑት) ኣረጋጊጹ።

ከቢድ ገበን ንዝፈጸሙ ስደተኛታት፣ ናብ ዓዶም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ግብራዊ ክኸውን፣ ፖለቲከኛታት ፈረንሳ ኣብ ዝካትዕሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብዚ ሳልስቲ ጥራይ ብውሕዱ ሰለስተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ምስ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ገበን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ብቀዳም 9 ሓምለ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ፣ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ ባእሲ፣ ሓደ ብኻራ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ከምዝቖሰለ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0