ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ማይ ጸሎት ዝምለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም

Radio Erena: 14 July 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገዳም ሰንደፋ፣ ማይ ጸሎት ተሓጺቦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝምለሱ ዝነበሩ ኣስታት 10ታት ኤርትራውያን፣ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ንኩነታቶም ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት ገሊጾም።

እቶም ወገናት ናብ ራድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ዝተፈላለየ ሕማማት ዘለዎም ኤርትራውያን፣ ካብቲ ገዳም ብኣውቶቡስ ኣብ ዝምልስሉ ዝነበሩ እዋን’ዮም፣ ብ11 ሓምለ ኣብ ከባቢ ለገጣፎ ኣብ ኬላ ተዓጊቶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጨንፈር ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ጉዳዮም ብዝምልከት ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዘራረበ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፣ ‘ክንፈትሖም ኢና’ ዝብል መልሲ ተዋሂቡ ከብቅዕ፣ ብኣንጻሩ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናብ ከባቢ ጎንደር ከግዕዝዎም ከምዝተራእዩ ኣተሓሳሲቡ።

እዞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናብ’ቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብ መዓስከር ዳባት ከየሰጋግርዎም ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከይመልስዎም ዘስግእ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ግዱሳት የጠንቅቑ።

ሓይልታት ጸጥታ ይኹኑ ሰበ ስልጣን ክፍሊ ኢምግሬሽን ኢትዮጵያ፣ ምስ ዘሎ ዘይርጉእ ጸጥታ እታ ሃገር ተኣሳሲሩ፣ ንኤርትራውያን ግዳይ ምክልባትን ዘይተደልየ ወጻኢታትን ይገብርዎም ምህላዎም ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቶም ኢትዮጵውያን ንኩነታት ኤርትራውያን ብምምዝማዝ፣ ጉቦ ብምኽፋል ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ይኹን ካልእ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ከሳልጡ ከምዝርኣዩ ይጥቀስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0